Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ሎዛ ኣበራ ኣብ ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ኩዕሶ እግሪ ፈሪማ፣ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ሓንቲ ስጳኛዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ፈሪሙ፣

12 min • 22 september 2024
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/09/2024) * ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣ * ኢትዮጵያዊት ሎዛ ኣበራ ኣብ ፕሮፈሽናል ኩዕሶ እግሪ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ዝፈረመት ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ሃገራ ኮይና፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ስጳኛዊት ፕሮ-ኮንቲነንታል ቲም ጋንታ በርጎስ-ቢኤች ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ተጀሚሩ፣ ኣብ’ቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰንበት ዝካየድ ቅድድም መንገዲ ኤርትራ ዝለዓለ ቁጽሪ ኤሊት ተቐዳደምቲ ከተሰልፍ’ያ፣ * ሓምሻይ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድን ንፈለማ ግዜ ኣብ’ዚ ወቕቲ ስዕረት ከጋጥሞም’ንከሎ ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ከኣ 2-2 ማዕረ ተፈላልየን ዝብሉ ንሎሚ ንምልከቶም ዜናታት`ዮም። ሰናይ ምክትታል።
00:00 -00:00