ናይ ሓደ ሕሙም ጀነቲካዊ ውልቃዊ ሓበሬታ ዒላማ ብምግባር ሓድሽ ሜላታት ሕክምና ካንሰር ንህይወት ብዙሓት ሰባት የድሕን ከምዘሎ ተፈሊጡ፡ እዚ ብግደኡ ነዚ ሕማም ንምጥፋእ ሓድሽ ምርምር ንምግባር መንገዲ የጣጥሕ ኣሎ ተባሂሉ ። ገለ ካብቲ እተረኽበ ሓድሽ ርኽበታት ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ጂን ወይ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከብ ኣብ መንጎ 12 እተፈላለዩ መንሽሮታት ዘሎ ምትእስሳር ምፍላጥ ኰይኑ ፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ ገለ ካብቲ ቀንዲ ነዚ ሕማም ዝድርኹ ክገልጹ ተስፋ ይገብሩ ።