ንሎሚ 1 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ግዚያዊ ኣዛዚ ህዝቦላህ ናዒም ቃስም ፡ ሕዝቦላህ ኣንጻር እስራኤል ዝገብሮ ውግእ ከም ዝቕጽሎ ቃል ኣትዩ ። ኣብ ኣውስትራልያ ዋጋ ኣባይቲ እናወሰኸ ይኸይድ እኳ እንተ ኰነ ፡ እቲ ፍጥነት ክብሪ ግን እናዘሓለ ይኸይድ ከምዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሰራዊት ሱዳን ሓይልታቱ ኣብ ካርቱም ን መንበሪ ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ደብዲቦም ንዝብል ክሲ ነጺጉ።