ሓማስ ፡ ሓድሽ መራሒ እቲ ዉድብ ክኸውን ንያሕያ ሲንዋር ሸይምዎ ። ካማላ ሃሪስ ፡ ንቲም ዋልስ፡ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንዶናልድ ትራምፕ እንተድኣ ስዒራ ምክትል ፕረዚደንት ክከውን መሪጻቶ። ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኪስማዮ ሶማልያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እስላማዊ መሸፈኒ ገጽ ዝተኸደና ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትየን። ኣብ ሱዳን ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም።