ንሎሚ 13 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፥ ቦርድ መርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ሰሉስ ክጅመር ተመዲቡ ዘሎ ጉባኤ ህወሓት ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ። መራሕቲ ኣመሪካ ፈረንሳ ፡ ጀርመን ፡ ኢጣልያን እንግሊዝን ፡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይትፍኑ ተማሕጺኖም ። ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።