ንሎሚ 16 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ : ኣርእስታት ዜና፥ ግዚያዊ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ሰራዊ እስራኤል መጥቃዕቲን ወረራን ኣብ ሊባኖስ ቐጺሉ። ሰባት ኣብ ናይ ዘይሃሰብዎ ኮንትራት ወይ ሳብስክሪፕሽን ዘእቱ መጻወድያታትን ፡ ነቲ ውዕላት ንምስራዝ ኣጸጋሚን ኣደናጋርን ዝኸውን ዘሎን ተግባራት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ክእገድ ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ዝተኸፋፈሉ ፖለቲከኛታት ህወሓት ንምዕራቕ ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።