ን ሎሚ 17 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝግበር ንጥፈት ን ምምካት ኣብ ስግረ ዶባት ዝግበር ምትሕብባር ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝህሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ፡ ኣፍሊጡ። ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ። ኣብ ሱዳን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ብፍላይ ኣብታ ርእሲ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝኾነት ኤል-ፋሸር ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።