ንሎሚ 18 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሊባኖስን ገለ ክፋላት ሶርያን ብኣማእታት ዝቝጸሩ ብኢድ ዝትሓዙ ተተኮስቲ ተፈንጂሩ ፡ ብዙሓት ሞይቶምን ኣሻሓት ቆሲሎምን ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ኣብታ ግዝኣት 10 ደቀባት ምጥፋኦም ኣፍልጦ ንምርካብ ሰልፊ ኣካይዶም ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከይተወርድ ዓቢ ስግኣት ፈጢራ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝገዓዘት ተፈሊጡ።