ንሎሚ 23 ጥቅምቲ ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝርከቦም ኣብ ካዛን ሩስያ፡ መራሕቲ ደቡባዊ ደምበ ብኣቦ-መንበርነት ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዋዕላ ብሪክስ ይካየድ ኣሎ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፡ ውግእ እስራኤል-ሓማስ ካብ ዝጅምር ን መበል 11 ግዜ ናብ እስራኤል ምብጻሕ ይገብር ኣሎ። ኣብዚ ዓመትካብ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፈተኑ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ፍልሰት ሓቢሩ።