ንሎሚ - 24ሓምለ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፥ ሓድሽ መዐቀኒ ድምጺ ህዝቢ ከም ዝሕብሮ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ብክልተ ሚእታዊት መሪሓ ። ጉጅለ ስፖርት እስራኤል ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ከይሳተፍ ጻዊዒት ቀሪቡ። ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ ብሰሉስ ንሓያሎ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ ሓደ ጉጅለ ተጣባቒ መሰላት ገሊጹ።