ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ።