ብዘይፍቓዶም ናይ ካልእ ሰብ ቪድዮ ወይ ሙዚቃ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣካፊልኩም ትፈልጥዶ ? እዚ ብምግባር ሕጊ መሰል ዋንነት እትጥሕስሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእ እዩ ። ሕጊ መሰል ዋንነት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክንጥቀመሉ እንኽእልን እንካፈሎን ነገራት ይድርት እዩ ። ነቲ ሕጊ መሰል መሰል ዋንነት ብኸመይ ከም እተተግብሮ ምርዳእ ፡ ሕማቕ ኵነታትን ከቢድ ሳዕቤናትን ንኸየጋጥመካ ዝሕግዘካ እዩ ።