ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን ። ኣብዚ ኵነታት እዚ ከመይ ጌርና ካብ ዘይተሓስበ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከም እንገላገልን ብኸመይ ካብ ሓደጋ ከም እንድሕንን ከምኡውን ንገለ ካብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ልሙድ ሕግታት ኣጋር ምፍላጥ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።