ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/09/2024) * ፍርቂ ዘመኑ ኣብ ዘኽበረ ማራቶን በርሊን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ጾታታት ብዓብላሊ ተዓዊቶሞ፣ * ጽገ ድጉማ ኸኣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኣብ ኣሜሪካ ተዓዊታ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኋንግሻን፣ ቻይና፣ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ታደይ ፖጋቻር ሻምፒዮን ዓለም ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ዙሪክ፣ ስዊዘርላንድ፣ ከኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዝለዓለ ውጽኢት ንኤርትራ ኣመዝጊቡ፣ * ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ብሓባር ከአንግዳ ተሰይመን፣ * ብሪዝበን ላዮንስ ሻምፒዮን ፉቲ ኣውስትራልያ ኮይና፣ * ሊቨርፑል መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ደጊማ ኣብ ዝተረከበትሉ ሰሙን ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜድኣ ብቶተንሃም ዘሕፍር ስዕረት ኣጋጢምዋ፣