ንሎሚ ሓሙስ 30 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ኣገባብ ኣበዓዕላ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምስቲ መዓልቲ ተተሓሒዙ ዝቐርብ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክንጸባረቑ ቀንዮም ኣለዉ። ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ዝጸንሑ ነበርቲ ኣውስትራሊያ ኣብዝተገብረ ጽምብል ክንርከብ ኣለና ብምባል ቅድሚ ሕጂ ክገብርዎ ዝጸንሑ ብዝተፈልየ ክገብሩ ዘገበረ ኩነታትን ምስቲ ኣብ ደምበ ተቓዉሞን ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ክሓትዎ ዝጸንሑ ሕቶታትን ዝምልከት ናይ ሎምን ትማልን መትከሎምን ክልተ ዕዱማት ገሊጾምልና ኣለዉ። እቲ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ገብራይን ኣቶ ሞሓመድ ኢማም ዓብዱራማንን ዝገበርናዮ ዘተ ካል ኣይን ናይ መውዳእታን ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምትርከብ ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ ገሊጾም። ኣብ መቐለ ብ 3.6 ቢሊዮን ብር በጀት ዝህነጽ ዘሎ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ጸዊዑ ። ። ኣብ ሰሙናዊ መደብ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) ባህሊ ምስታይ ቡን ኣውስትራሊያ፡ ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ናብ ራፋ ንመጥቃዕቲ ታንክታት ልኢኻ ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ድምጾም ንምሃብ ናብ ነቑጣታት መድመጺ ውሒዞም ። ኣብ ርእሲ ከተማ ሕንዲ ዝዀነት ደልሂ ፡ ካብ ቅድሚሕጂ ዝዛየደ 52.3 ዲግሪ ሰንቲግሬድ [ብረቡዕ 29 ግንቦት] ብርቱዕ ሙቐት ተመዝጊቡ ።