ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ። ነዚ ውሳነ እዚ ክትገብር ከለኻ ፡ እንታይ ቀንዲ ረቛሒታት ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ ? ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ካብ ምጥፍፋእ ወይ ስካም ክትድሕን እትኽእል ? ኣብዚ ናይ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ምስ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ክንድህስስ ኢና ።