ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/10/2024) * ኬንያዊት ሩት ቸፕንገትች ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ማራቶን ቺካጎ ተዓዊታ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2024 ኣብ ኤልደሮት፣ ኬንያ፣ ተኻይዱ ብዓብላልነት ኤርትራን ተቐዳደምታን ኣብ ዝተዛዘመሉ ሄኖክ ምሉእብርሃን ንሳልሳይ ግዚኡ ኣከታቲሉ ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ * ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ኣብ ዞና ሴካፋ ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ኣብ ዝሳተፋሉ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ኣንጻር ኢትዮጵያ ክትገጥም በጺሕዋ፣ * ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኣካይዳ ኣብ ጀርመን ዝጻወት ሰርሑ ጊራሲ ሰለስተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ 4-1 ተሳዒራ,