Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ኤርትራ ብምዕብላልን ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ሻምፒዮን ብምዃንን ተዛዚሙ፣ ኢትዮጵያ ብጊኒ 4-1 ተሳዒራ፣

10 min • 13 oktober 2024
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/10/2024) * ኬንያዊት ሩት ቸፕንገትች ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ማራቶን ቺካጎ ተዓዊታ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2024 ኣብ ኤልደሮት፣ ኬንያ፣ ተኻይዱ ብዓብላልነት ኤርትራን ተቐዳደምታን ኣብ ዝተዛዘመሉ ሄኖክ ምሉእብርሃን ንሳልሳይ ግዚኡ ኣከታቲሉ ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ * ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ኣብ ዞና ሴካፋ ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ኣብ ዝሳተፋሉ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ኣንጻር ኢትዮጵያ ክትገጥም በጺሕዋ፣ * ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኣካይዳ ኣብ ጀርመን ዝጻወት ሰርሑ ጊራሲ ሰለስተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ 4-1 ተሳዒራ,
00:00 -00:00