ንሎሚ ሰኑይ 23 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጉዕዞ ስደት ብዙሕ ግዜ ዘየተኣማምንን ኣብ ዘይተጸበኻዮን ተርእዮታት ዘጋጥም እዩ ። ሞት እተፍቅሮ ሰብ ወይ ፈታዊኻ ምስዘጋጥም እንታይ ክግበር ከም ዝግባእ ክሕርብተካ ይኽእል ። ኣብ ኣውስትራሊያ ስርዓተ ቀብሪ ብኸመይ ከምዝካየድ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብዛዕባዚ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ:: ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ከሰል ዕደና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 51 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ፣ ሓያሎ ካልኦት ከኣ ቆሲሎምን ጠፊኦምን ። ሪፐብሊካዊ ተወዳዳሪ ንፕረሲደንት፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሕዳር 5 ዝካየድ ምርጫ እንተዘይተዓዊቱ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዉድድር መሪሕነት ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ። ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣