Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥሪ 2025)

50 min • 30 januari 2025
ንሎሚ ሓሙስ 30 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ዋዕላ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ኣአንጊዳ። ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ኣብ ትግራይ ቅልውላው ኣጋዲዱ። ኣብ 104.4 FM መቐለ ዘጋጠመ ፀገም ብምርድዳእ ከምዝተፈትሐ መምርሒ ፓሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ ኣብዛ ዕለት ነቶም ኣብ ማሕበረሰባት ኣበርክቶ ዝገብሩ ኣፍልጦን ስልማትን ይሃብ እዩ ። ኣብዚ ናይ 2025 ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም መዳል ኦፍ ዘ ኣውስትራሊያ ኦርደር ተሸላሚት ኮይና ኣላ፡ ነዚ ዝምልከት ዕላል ኣካይድና ነይርና፡ ከነቕርቦ ኢና። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ’ውን ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሲድኒ ዝተረኽበ ነታጒ ዝጸዓነት መኪና ፡ ብኣድራሻ ኣይሁዳውያን ሰባትን ትካላትን መዘኻኸሪ ጽሑፍ ምርካቡ ዓቢ መርመራታት ይግበር ኣሎ ። ፈደራል መንግስቲ ብዛዕባ ኦስካር ጀንኪንስ ዋላኳ ብ ኣንጻር ብዛዕባኡ ኣቐድም ኣቢሉ ክወሃብ ዝጸንሐ ጸብጻብ ከምዘይሞተ መረጋገጺ ረኺበ ይብል ። ኣብ ኣውስትራልያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ቱር ዳውን ኣንደር ኤርትራውይን ዝተገብረ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም ነይሮም ነዚ ዝምልከት ኢብራሂም ዘዳለዎ ጸብጻብ ነይሩ፡
00:00 -00:00