Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግኛ ፖድካስት (24 ጥቅምቲ 2024)

56 min • 24 oktober 2024
ንሎሚ ሓሙስ 24 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሰዊት ዮሃንስ ብንእስነታ ምስ ወለዳ ካብ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተሰዲዳ ዝለዓለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዛዚማ ብሞያ ጥብቅና ትሰርሕ ዘላ እያ። ኣቦን ወድን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ብዛዕባ ዝምድና ወለድን ዉልድን፡ ጥዑይ ኣተዓባብያ ዉሉድን ዘጋጥሙ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን ብሰፊሑ ኣዕሊሎምና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ።ኣብ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ተገሊጹ።ኣብ ትግራይ ንህንፀት ፕሮጀክት ኬሚካል ኢንዱስትሪ ደጀና ኮንትራት ዝሓዘ ኩባንያ ቻይና CEC ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምር ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ተባሂሉ።ኣብ ኣውስትራሊያ መስርሕ ምህናጽ መንበሪ ገዛኻ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ብዝሒ እቶም ብ ትምህርቲ መሕረሲት ዝምረቑ ሰባት ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝድለ ብዝሒ ዘየማል ኡ ምዃኖም ስክፍታ ከምዘሕድር ሓደ ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሓይልታት እስራኤል ነቲ ዝተቐትለ መራሒ ሕዝቡላህ ክትክኦ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓሽም ሰይፈዲን ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጾም። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ብሕሱም ድኽነት ዘለዋ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።
00:00 -00:00