Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ካብ ቀደም ክሳብ ቢንያም ፡ ምስ ኣሰልጣኒ ቢንያም ግርማይ ነበር መዋእል መሃንሾ

20 min • 3 juli 2024
ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ብኸመይ ተበጊሱ’ዩ ኣብ’ዚ ደረጃ በጺሑ፧ እቶም ሰረት ዘንጸፉ በዓል መን’ዮም፧ እንታይ ዓይነት መሰናኽላት ተሓሊፎምን ወርቃውያን እዋናት ከ ኣየኖት’ዮምን ወዘተ ዝብሉ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተጻሒፎምን ተዓሊልሎምን እንተኾኑ’ኳ; ተቐዳዳማይን ኣሰልጣንን ዝነበረ ብቐረባ ነቲ ጉዕዞ ዝፈልጦን ዝነበሮን ኣብ ገሊኡ እውን ኣብ ገለ እዋን ንጡፍ እጃም ዝነበሮን፥ ከምኡ’ውን ‘ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ኤርትራ 1936-2012’ ትብል መጽሓፍ ምስ ዝጸሓፈ ኣቶ መዋእል መሃንሾ ኣብ’ዚ ከዕልለና ዓዲምናዮ ኣለና። መዋእል ኣብ 2013 ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፌደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ከምኡ’ውን ካብ 2004 - 2014 ኣካያዲ ቅድድም ብሽክለታ 'ማውንቴይን ባይክ' ዝነበረ’ዩ፣ ድሕሪ ስደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓንቲ ጋንታ ቅ/ብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሰልጢኑ ኔሩ። ቀዳማይ ክፋል ዕላል ኣብ'ዚ ኣለኩም።
00:00 -00:00