ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/04/2025) * ታደይ ፖጋቻር ወዲቑ ማቲው ፋን ደር ፖወል ኣብ ዝተዓወተሉ ብዙሕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሩበይ ቢንያም ግርማይ ዘዕግብ መበል 15 ኣትዩ፡ * ኢትዮጵያዊት በዳቱ ሂርፓ ካልኣይ ዓወታ ኣብ`ዚ ዓመት ዘመዝገበትሉ ኣብ ማራቶን ፓሪስ ተዓዊታ፡ * ቀዳማይ እግሪ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታታት ኤውሮጳ ተኻይዶም ኣርሰናል ንሪያል ማድሪድ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ብገፊሕ ክትስዕራ'ንከላ ባርሴሎናን ፒኤስጂን ድማ ብገፊሕ ተዓዊተን ናይ ምሕላፍ ዕድለን ዝለዓለ ኮይኑ፡ * መሓመድ ሳላሕ ሓድሽ ውዕል ኣብ ዝፈረመሉ ሊቨርፑል ሓደ ስጉምቲ ናብ ምዕታር ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ትምርሽ፣ * ንምብጻሕ ናብ ሩዋንዳ ዘተባብዕ መወዓውዒ 'ቪዚት ሩዋንዳ' ኣብ ማልየአን ዘለወን ጋንታታት ኤውሮጳ ብሰንኪ ምትእትታው ሩዋንዳ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ንግዳዊ ውዕለን ክስርዛ ካብ ደገፍቲ መጸዋዕታ ይቐርበለን፣