ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ማዕረ ውክልና ኩሎም ኣተሓሳስባታት ዘካተተ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ፀዊዐን። እዚ ጻውዒት፡ ህወሓት ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ከም ዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ።