ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (07/10/2024) * ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅምን ጀርመንን ዝተኻየዱ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድማት ዝለዓሉ ውጽኢታት ኣመዝጊቡ፣ * ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ዓባይ ጋንታ ሞቪስታር ክጽንበር ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ ኣብ ኤልዶረት ኬንያ ኣብ`ዚ ሰሙን ክካየዱ`ዮም፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓያሎ ተቐዳደምተን ከሰልፋ`የን፣ * ኢትዮጵያ ዝመጽእ ጥቅምቲ 12ን 15ን ዘለውዋ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ከተካይዶም`ያ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል፣ ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ዓወታት ብምምዝጋብ ክምርሻ`ንከለዋ ማንቸስተር ዩናይትድ ማዕረ ድሕሪ ምውጻኣ ኣሰልጣኒኣ ክስጎግ ድምጽታት ይበዝሑ፣