ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/10/2024) * ማራቶን ኣምስተርዳም ብዓወት ኢትዮጵያውያን ብክልቲኡ ጾታታት ተዛዚሙ፣ * ሻምፒዮን ቅድድም ብሽግለታ ኢትዮጵያ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ሓዳስ ጋንታ ይደሊ ከምዘሎን ሰባት ክተሓባበርዎን ኣብ መድረኽ ሓፋሽ ክፉት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ፣ * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2024 ካብ ዝተሓጽዩ 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምናይ ዙርያ ግጥማቱ ኣካይዱ ኣብ መሪሕነት ዝርከባ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ዓወታት ከመዝግባ`ንከለዋ ኣርሰናል ንፈለማ ግዜ ኣብ`ዚ ወቕቲ ስዕረት ኣጋጢምዋ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ደጊማ ብጊኒ ተሳዒራ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተካይድ ገይሻ ኣብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ሊብያ ንልዕሊ 16 ሰዓታት ቀንፈዘው ድሕሪ ምባላ ግጥማ ከየካየደት ናብ ሃገራ ተመሊሳ ዝብሉ ንሎሚ ንምልከቶም ዜናታት`ዮም። ሰናይ ምክትታል።