ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ዋዕላ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ኣአንጊዳ። ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ኣብ ትግራይ ቅልውላው ኣጋዲዱ። ኣብ 104.4 FM መቐለ ዘጋጠመ ፀገም ብምርድዳእ ከምዝተፈትሐ መምርሒ ፓሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ።