Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ናዝሬት ወልዱ መምርሒታት ዶፒንግ ብምጥሓሳ እገዳ ተነቢሩላ፡ ሓለፍቲ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ብምስግጋር ሰባት ተኸሲሶም

15 min • 15 september 2024
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/09/2024) * ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ሲድኒ በሪሁ ኣረጋዊ ከኣ ኣብ ውድድር 5ሽሕ ሜ ኣብ ብራስልስ ተዓዊቶም፡ * ንፕረዚደንት ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ወሲኽካ መራሕቲ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም፡ * ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ናዝሬት ወልዱ ተደጋጋሚ መርመርመራታት ዶፒንግ ከይገበረት ብምትራፋ ን20 ኣዋርሕ ተኣጊዳ፡ * ኣብ ዞባዊ መጻረዪ ግጥማት ንኣፍኮን ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣንጻር ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ክትገጥም በጺሕዋ፣ * አርሊንግ ሃላንድ ሽቶ ምምዝብ ኣብ ዝቐጸለሉ ማንቸስተር ሲቲ 100% ዓወታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ትዕቅብ፣ ድሕሪ ዓወት ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ ቶተንሃም ሰሜን ለንደን ቀይሕ ሕብሪ ኮይኑ፣
00:00 -00:00