ስነ ጥበባዊ ሚካኤል ኣዶናይ፡ ብዝስእሎ ስእልታት ዝና ዘትረፈ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ልዕሊ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ'ውን እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብዛዕባ ካብ 1965 ክሳብ 1989 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ኣብ ቆሓይን ዝነበረ ኩነታት እትገልጽ መጽሓፉ "መሳኹቲ ማይምነ" ዝምልከት ብተወላዶ ቆሓይን ኣብ ካልእ መዲያ ርእይቶ ክወሃብ ቀንዩ። ብዛዕባ'ቲ ዝተዋህበ ርእይቶን ዕላማ መጽሓፉን ብዝምልከት ምስ ረዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ቀሪቡ ኣሎ።