ጸብጻባት ዜና: * ኩሎም መራሕቲ ትግራይ ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዘትዮም፣ እቲ ኣምባሳድር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ * ህወሓትን ብልጽግና ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዖም፣ * ኣብ ዶብን ወሰንን ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተጣየሸ ማሕበር መግለጺ ሂቡ፣ * ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ንምፍራይ ፈተነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ * ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ሆላንድን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ኣበርኪተን፣ * ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ፣