ክልተ ደቂ መልበርን መንእሰያት ፡ ኣብ ላኦስ ስሚ ዝኣተዎ መስተ ኮክተይል ሰትየን ኣብ እተፈላለየ ሆስፒታላት ታይላንድ ፡ ኣብ ናይ ህይወትን ሞትን ኩነታት ይርከባ። ወለዲ እተን ብመርዚ ሜታኖል ከምዝተሰመማ እተጠርጠራ 19 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ሕማም ይርከባ ምህላወን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣብ መስተ ኣእትዮም መንእሰያት ከምዝስመሙ ዝገብር መታኖል ግን እንታይ እዩ ፈውሲ’ኸ ኣለዎዶ፧