Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

“ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንኸምጽእ ኢለ ኣይኮንኩን ዝቃለስ ዘለኹ።” ዕላል ምስ ኻልድ ዓብዱ (ቀዳማይ ክፋል)

26 min • 28 juni 2024
ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ክፋል ዕላል ኣብ ኣስመራ ኣብዝነበረሉ እውዋን ብፍላይ ድማ ምስ ብሕታውያን ጋዜጣታት ዝተኣሳሰር ምስ ዘሕለፎ ኩነታት ኣልዒሉ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል መደባት፡ ምስ መንነቱ ዝተኣሳሰር ዝገጥሞ ብድሆታትን ዝህቦ ምላሽን ገሊጹ ኣሎ። ክልተ ኣማራጺ’ዩ ነይሩኒ፡ ከም ኣብ ሕመረት ወዲ ሕመረት ተባሂልካ ተሳሒብካ ምስቶም ገበርቲን ሓደግትን ኮይንካ ትዕምጽ ወይ ክዕመጽ ኣይደልን ክዕምጽ ኣይቅበሎን ምባል።’ ኣነ ክዕመጽ ወይ ክዕምጽ ኣይደልን ኢለ ካብ ኤርትራ ወጺአ።
00:00 -00:00