ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ክፋል ዕላል ኣብ ኣስመራ ኣብዝነበረሉ እውዋን ብፍላይ ድማ ምስ ብሕታውያን ጋዜጣታት ዝተኣሳሰር ምስ ዘሕለፎ ኩነታት ኣልዒሉ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል መደባት፡ ምስ መንነቱ ዝተኣሳሰር ዝገጥሞ ብድሆታትን ዝህቦ ምላሽን ገሊጹ ኣሎ። ክልተ ኣማራጺ’ዩ ነይሩኒ፡ ከም ኣብ ሕመረት ወዲ ሕመረት ተባሂልካ ተሳሒብካ ምስቶም ገበርቲን ሓደግትን ኮይንካ ትዕምጽ ወይ ክዕመጽ ኣይደልን ክዕምጽ ኣይቅበሎን ምባል።’ ኣነ ክዕመጽ ወይ ክዕምጽ ኣይደልን ኢለ ካብ ኤርትራ ወጺአ።