Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

"ኣብ ዞባና ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣዚዩ ሓደገኛን ናብ ምሉእ ኲናት ዘምርሕን እዩ።" ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ

22 min • 3 september 2024
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብዩ ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምዕብል ዘሎ፡ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ካብ ቀደም ብዝተፈልየ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታትን ምስዚ ዝተሓሓዝን ዝምልከት ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ ተንቲኑልና ኣሎ።
00:00 -00:00