ጸብጻባት ልኡኽና * ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣ እዙይ ውሳኔ ዝተወስደ ብኣቦወንበር ህወሓት ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ጽባሕ ሰሉስ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝፀውዐሉ ወቕቲ እዩ፣ * ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ፡ ብሓድሽ ንኽምዝገብ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘይቕበሉዎ ኣቦወንበሩን ምክትሉን ኣፍሊጦም፣ * ኣብ ትግራይ ብብልሽውና ሓለፍቲ ተኣሲሮም ተባሂሉ፣ * ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ 50 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ብወግዒ ከም ዝተኸፍተ ተገሊጹ፣ * ዝተፈላለዩ ዉድባት ኤርትራ፡ ንስርዓት ኤርትራ ንምቅላስ ኣብ ጀርመን ሓባራዊ ልፍንቲ ከም ዝመስረቱ ኣፍሊጦም፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5500 ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይነን፣