Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

“ኣውስትራልያ ኣብ ዕደና ጽግዕተኛ ኮይና ክትቅጽል’ያ፣ ደቀባት ህዝብታታ ግን ቅርስታትና ዘዕኑ ዘየዐግብ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓ ኢና ንረክብ ይብሉ” ዶክተር ፍጹም ሰመረ

22 min • 14 juli 2024
ዶክተር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ምስ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኣሳሰሩ ወሲኽካ ጽልዋታት ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኲር ክኢላ ስነቁጠባን ማሕበራዊ ህይወት ዘጽንዕን’ዩ። ንሱ ብማዕድን ሃብታማት ዝኾና ሃገራት ንበይነ-ጽላታዊ ምትእስሳራት ምስ ጽላት ዕደና ንቁጠባዊ ለውጢ ክጥቀማሉ ዘሎ ተኽእሎን ተራ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ተዋሳእቲ ኣብ'ቲ ኢንዱስትሪን ነዚ ኣብ ምዕዋቱን ዘካይዶ መጽናዕትን ዘበርከቶ ስራሕን ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣለዎ። ኣብ’ዚ ቀዳማይ ክፋል ዕላል፣ ኣብ ኣውስትራልያ ኣበርክቶ ደቀባት ህዝብታት ዝኽበረሉ 'ቅነ ናይዶክ' ብምዃኑን ብማዕድን ሃብታም ኣብ ዝኾነት ኣውስትራልያ ኸኣ ምስ ህይወቶም ዘለዎ ምትእስሳርን ክንምልከት ኢና።
00:00 -00:00