ዶክተር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ምስ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኣሳሰሩ ወሲኽካ ጽልዋታት ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኲር ክኢላ ስነቁጠባን ማሕበራዊ ህይወት ዘጽንዕን’ዩ። ንሱ ብማዕድን ሃብታማት ዝኾና ሃገራት ንበይነ-ጽላታዊ ምትእስሳራት ምስ ጽላት ዕደና ንቁጠባዊ ለውጢ ክጥቀማሉ ዘሎ ተኽእሎን ተራ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ተዋሳእቲ ኣብ'ቲ ኢንዱስትሪን ነዚ ኣብ ምዕዋቱን ዘካይዶ መጽናዕትን ዘበርከቶ ስራሕን ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣለዎ። ኣብ’ዚ ቀዳማይ ክፋል ዕላል፣ ኣብ ኣውስትራልያ ኣበርክቶ ደቀባት ህዝብታት ዝኽበረሉ 'ቅነ ናይዶክ' ብምዃኑን ብማዕድን ሃብታም ኣብ ዝኾነት ኣውስትራልያ ኸኣ ምስ ህይወቶም ዘለዎ ምትእስሳርን ክንምልከት ኢና።