ዶክተር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ምስ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኣሳሰሩ ወሲኽካ ጽልዋታት ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኲር ክኢላ ስነቁጠባን ማሕበራዊ ህይወት ዘጽንዕን’ዩ። ንሱ ብማዕድን ሃብታማት ዝኾና ሃገራት ምትእስሳራት ጽላት ዕደና ምስ ካልኦት ጽላታት ንቁጠባዊ ለውጢ ክጥቀማሉ ዘሎ ተኽእሎን፣ ነዚ ኣብ ምዕዋቱ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ካልኦት ኣብ ኢንዱስትሪ ዝዋስኡ ዘለዎም ተራን፣ ዘካይዶ መጽናዕትን ዘበርከቶ ስራሕን ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣለዎ። ዶክተር ፍጹም ናብ ብዙሓት ሃገራት ብምጋሽ ንዕደና ዝምልከቱ ፖሊሲታት ኣብ ምሕንጻጽ ሓጊዙ፣ መደባት ዕዮ ኣጣይሱን ኣገልግሎት ምኽሪ ሂቡን’ዩ። ኣብ’ዚ 2ይ ክፋል ዕላልና ካብ’ዚኦም ስራሓቱን መጽናዕትታቱን፣ ዝቐሰሞም ተሞክሮታትን ዝመሰጥዎ ፍሉያት ነገራትን ክዝርዝረልና’ዩ። ኩነታት ዕደናን ማዕድናትን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ብሓፈሽኡ ክገልጸልና’ዩ። ሰናይ ምክትታል።