Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ኤርትራ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ወሲና፡ ንሱዳናዊ ዲፕሎማት ካብታ ሃገር ክወጽእ ድማ ኣዚዛ።

11 min • 24 juli 2024
ኤርትራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ። ኤርትራ ሱዳናዊ ዲፕሎማት ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝኣዘዘት ተሓቢሩ። ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅር ህወሓት ካብቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ጉባኤ ኣባላቱ ከም ዝሰሓቡ ኣፍሊጡ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ማይክል ማርቲንን ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያን ሃገረ ኣየርላንድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጉዳይ ትግራይ ዘትዮም። ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ፋኖ ናብ መንግስቲ ኢዱ ሂቡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብምህማም መሬት ልዕሊ 200 ዜጋታት ምይቶም።እዚ ልኡኽና ዝሰደዶ ኣርእስታት ዜና እዩ፡
00:00 -00:00