ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ካብቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንምትግባር ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ። 75 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ነበር ናብ ህዝቢ ንምጽምባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይውገን ከም ዘሎ ተገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝሓርፈፈ ርክብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብኢራን ተናኢዳ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንዘረባ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ውዱቕ ብምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ መንግስቲ ዝርርብ ከም ዘየለ ገሊጹ።