ኣብ 1992 መሪሕነት ህዝቦላሕ ተረኪቡ ክሳብ ሕጂ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓሰን ናስረላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖት ተቐቲሉ ኣሎ። ናስራላህ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምስ እስራኤል እተገብረ ውግእ ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝቕየር ብምግባርን ሓደ ካብቶም ኣብ ወለዶታት ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ዓረባዊ ጕጅለ ከም ዝኸውን ብምግባርን እዩ ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሕዝቡላህ መሪሑዎ ። ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ በይሩት ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ኣብ እተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ከም እተቐትለ ገሊጻ ኣላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ ሕዝቦላን እስራኤልን ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ደይብሉ ኣብ ዘሎ እዩ ።