ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/08/2024) * ታምራት ቶላ ተዓዋቲ ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብምዃን ቀዳመይቲ ወርቂ መዳልያ ንኢትዮጵያ ዓቲሩ፣ * ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ደገፍትን ሃገራዊት ጋንትኦም ኣብ`ዚ ዓመት ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ዘርኣየቶ ብቕዓትን ዘመዝገበቶም ቁጽሪ መዳልያታትን ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ይገልጹ፣ * መዳልያ ክዓትር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ለመቻ ግርማ ኣብ መወዳእታ ዙር ብኸቢድ ድሕሪ ምውዳቑ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፣ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣሎ ተባሂሉ፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ መዳልያታት ዘመዝግቡ ኣትሌታት ሃገራቶም ምስጋንአን ንምግላጽ ስልማታት ይዕድለኦም`የን፣ ዝለዓለ ገንዘብን ስልማትን ዝዕድላ በዓል መን`የን፣