ኣብ ዜጋታት ዘነፃፀረ ጭውያ ተጋዲዱ ይቕፅል ኣሎ ክብሉ ስድራ ግዳያት ነበርቲ ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊጾም። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩን ካልኦትን ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድ ኣዝዩ ተኣፋፍን ውሑስ ብዘይኮነ መንገድን ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ቱርኪየ ንሳልሳይ ዙር ሽምግልና ኢትዮጵያ-ሶማል ብማዕዶ ከተካይድ’ያ ተባሂሉ። ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልዋ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሓቲቱ።