ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ። ኣብዚ ጽላል፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ፡፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ናይቲ ጽላል መሰጋገሪ ክመርሕ ዝተመርጸ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕን መደባቶምን ክገልጸልና ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።