Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። (ጸብጻብ)

10 min • 23 april 2025
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ UN-OCHA ተመያይጡ። ፕረዝደንት ትግራይ ዝተጣየሸ ካብኔ ሓቛፋይን ኣሳታፍን ኣይኮነን ተባሂሉ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ውን ተዛትዩ ኣሎ። ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ፕረዚደንት ኣሳይያስ ኣፈወርቂ ብሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ኣቡነ ፍራንቺስኮ ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ኵናት ደው ንኽብል ደጋጊሞም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ገሊፃ። ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኣብ ጂቡቲ ምብጻሕ ኣካይዱ።
00:00 -00:00