ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ ክግለጽ ቀንዩ ብዙሓት ድማ ኣድናቖቶምን ሓዘኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ንገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈነወን ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ድምጻውያን ኣሕመድ ዓብደልርሒም ስዒድ ዓብደላ ከምኡውን ደራሲ መጽሓፍ ኢብራሂም ሓጅ ብዛዕባ ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደልርሒም ስምዒቶም ኣካፊሎሙና ኣለዉ።