Sveriges mest populära poddar

SBS Tigrinya – ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን መራሕቲ እስራኤልን ሓማስ ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ሓቲቱ

11 min • 21 maj 2024
ዋና ኣኽባር ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ንመራሕቲ እስራኤልን ሓማስን ብኽሲ ተኽእሎታት ገበናት ኲናት ተታሒዞም ናብ ሕጊ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ይሓትት ኣሎ። ዋና ዓቃብ ሕጊ ICC ካሪም ካ'ን ሰለስተ መራሕቲ ሓማስ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ዯቭ ጋላንትን ክተሓዙ ወይ ተታሒዞም ኣብ’ቲ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክቐርበሎም ኣመልኪቱ’ሎ። ንገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተሓተትቲ ክኾኑ ብቑዓት ዝኾኑ መርትዖታት ኣለዉ ኸኣ ይብል።
00:00 -00:00