ዋና ኣኽባር ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ንመራሕቲ እስራኤልን ሓማስን ብኽሲ ተኽእሎታት ገበናት ኲናት ተታሒዞም ናብ ሕጊ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ይሓትት ኣሎ። ዋና ዓቃብ ሕጊ ICC ካሪም ካ'ን ሰለስተ መራሕቲ ሓማስ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ዯቭ ጋላንትን ክተሓዙ ወይ ተታሒዞም ኣብ’ቲ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክቐርበሎም ኣመልኪቱ’ሎ። ንገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተሓተትቲ ክኾኑ ብቑዓት ዝኾኑ መርትዖታት ኣለዉ ኸኣ ይብል።