ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ ( ሰሉስ 15 ጥቅምቲ 2024) * ከባቢ ፍርቂ ዝኾኑ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ ኣውስትራልያ ውሕስነት ቀረብ መግቢ ዘይብሉ መነባብሮ የሕልፉ ከምዘለዉ ተገሊጹ፣ * ኣውስትራልያ ዜጋታታ ናብ እስራኤል ከይጓዓዙን ኣብኡ ዘለዉ ኸኣ ብዝተቐላጠፈ ክወጹን ተጠንቅቕ፣ * ሰራዊት እስራኤል ኣርባዕተ ወተሃደራት ዝቐተለን ልዕሊ 60 ሰባት ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ድሮን ሒዝቡላህ መርመራ ከካይደሉ ምዃኑ ገሊጹ፡ * ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝህቦ ደገፍ ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ከምዝኣተወላ ኢትዮጵያ ገሊጻ፣