ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ንሃብታም በዓልቲ ንግዲ ጂሊያን ሰጋል ንሓላፍነት ፍልይቲ ልእኽቲ ጸረ-ሴማውነት ምምዛዙ ዝተፈላለዩ ግብረመልስታት ፈጢሮም፣ * ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ጋዜጣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንሕማም ፓርኪንሰን'ስ ሕክምና ይግበረሉ ኢላ ንዘቕረበቶ ዜና ነጺግዎ፡ * ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተፈጥሩ ናዕብታትን ባእስታትን ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ካብ ዝጅመሩ ንደሓር ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ደቡብ ከተማ ተልኣቪቭ ሻብዓይ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ተቐቲሉ።