ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (08/07/2024) * ሚኒስተር ምክልካል ኣውስትራልያ ሪቻርድ ማርለስ ኣብ ዋዕላ ውድብ ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ወይ ኔቶ ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ይጓዓዝ ኣሎ * ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ድሌት ኣድመጽቲ ንለውጢ ንምትግባር ነቲ ኣካታዒ ፖሊሲ ሰልፊ ዓቃባውያን ዝኮነ መደብ ምጥራዝ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ይስርዞ ከምዘሎ ኣዊጁ * ፈረንሳ፣ ጸጋማዊ ጥምረት ትጽቢት ዘይተገብረሉ ንሕሉፋት የማናውያን በሊጹ ዝለዓለ ቦታ ድሕሪ ምሓዙ ጠልጠል ዝበለ መንግስቲ ክምስረት ኣብ ኣፈፈት ትርከብ