ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ፓኪስታን ዝርከባ ሆስፒታላት ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ንዝህሉ ብዝሒ ሕሙማት በዲዶ-ህበይ ወይ mpox ይዳለዋ ኣለዋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ነቶም ኣብ ጋሊፖሊ ዝርከብ መቓብር ንምሕላው ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ባርዕ ጫካ ዝተቓለሱ ቱርካውያን መጥፋእቲ ሓዊ ኣመስጊኑ ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ50 ዓመት ምጅማር ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ተዛዚሙ። ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ክትቅበል ጀሚራ።