ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራሊያ ኣብ "ሕጽረት ብዝሒ ህጻናት " ከም ትርከብ ዘላ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ናይዚ ምኽንያት ጸቕጢ ክብሪ መነባብሮን ቁጠባዊ ስግኣትን እዩ ተባሂሉ። ኣብ ኔፓል ፡ ሓንቲ ነፋሪት ንኽትበርር ኣብትብገሰሉ ዝነበረት ካብ መሕንበቢ ጽርግያ ወጺኣ ብምሕምሻሻ ፡ ብውሕዱ 18 ተጓዓዝቲ ሞይቶም ። ኤርትራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ።