ኣርእስታት ዜና፥ መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ብዝተገብረ ስምምዕ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ማእሰሪ ንመጀመርታ ግዜ መሬት ኣውስትራልያ ረጊጹ ። ድሕሪ'ቲ ብርቱዕ ተቓዉሞን ኣዕናዊ ናዕብን ነቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ምውሳኽ ግብሪ ከምዝሰሓቦ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ዊልያም ሩቶ ኣፍሊጡ ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለዉ ጾታዊ ጥቕዓትን መጭወይትን ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም። ፕረዝደንትን ምኽትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ካብ ስልጣኖም ንምልቃቕ ሕቶ ኣቕሪቦም።